ሓፈሻዊ ሓበሬታ፤
ተሳትፎ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ምሕያል ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ ምዕባለ ኤርትራ ካብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ዝጅምር እዩ። በዚ ታሪኽ ተደሪኹ ነዚ ክቡር ተግባር ስርዓታውን ቀጻልን ንምግባር፡ መንግስቲ ኣብ 1995 ኣዋጅ መሕወዪ ግብሪ ኣውጺኡ።
ብመሰረት እዚ ኣዋጅ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዝምልከቶም ኤርትራውያን፡ ካብ ጽሩይ ኣታዊታቶም 2% ኣብ ዳግመ ህንጸት ኤርትራ ከበርክቱ የተባብዕ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን እዚ መሕወዪ ግብሪ ብምኽፋል ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩን ግዴትኦም ዝፈጸሙን ኤርትራውያን ማዕረ ፖለቲካውን ቁጠባውን መሰላት ይህቦም። ሓደ ካብቶም መሰላት፡ ግብኦም ዘማልኡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንንግዲ ወይ ንመንበሪ ዝኸውን መሬት ናይ ምርካብን ምውናንን መሰል ይህልዎም።
ናይ መሕወይ ግብሪ ጸብጻብ ዝስደደሉ ኣድራሻ ልክዕ ምዃኑ ኣረጋግጹ። እዚ ማለት፡ ኣብ ናይ ቆንስላዊ ጉዳያት ኢንተርነት (CAPS) ዘሎ ኣድራሻኹም ህሉው ኣድራሻኹም ክኸውን ኣለዎ።
መሕወዪ ግብሪ ንምኽፋል ክማልኡ ዘለዎም ግዴታታት፤
- ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
- ቅዳሕ ሰነድ ነባርነት ኣብ ጀርመን
- ዓመታዊ እቶት ካብ Finanzamt ካብ ዝኣተወሉ ዓመት ጀሚሩ
ብተደጋጋሚ ዝለዓሉ ሕቶታት
መምርሒ፤
- ብመሰረት ኣብ መሕተቲ ተዝርዚሩ ዘሎ ግዴታታት፡ ንኩነታት ስራሕካ ዝምልካቱ ሰነዳት ኣዳሉ።
- መሕተቲ ቀጥዒ መሊእካ ዘድሊ ሰነዳት ብኢንተርነት ጽዓን።
- ኣብ ዝስዕቡ መዓልታት ክኽፍል ዘለዋ መሕወዪ ግብሪ ብኢምይል ይስደድ።
- መሕወዪ ግብሪ ብኢንተርነት ክፈል።
- ኩሎም ክፍሊታት ተመላሲ ኣይኮኑን እዮም