ሓፈሻዊ ሓበሬታ፤
- ምስክርነት ህላወ ወይ ነባርነት ንብረት ንኤርትራ ንምልኣኽ ዘኽእል፡ ሓታቲ ብህይወት ከምዘሎ ወይ ነባሪ ሃገር ጀርመን ከም ዝኾነ ዘረጋግጽ ሰነድ እዩ።
መረጋገጺ ህላወ ነባርነት ንምሕታት ክማልኡ ዘለዎም ግዴታታት፤
- ብኢንተርነት ዝተመልአን ዝተፈረመን ቀጥዒ መሕተቲ መረጋገጺ ህላወ ነባርነት
- ዝተማልአ መሕወይ ግብሪ
- ቅዳሕ መበቆላዊ (ኦርጂናል) ኤርትራዊ መንነት ወረቐት
- ቅዳሕ መበቆላዊ (ኦርጂናል) ህልው ፓስፖርት (ናይ ኤርትራ ወይ ናይ ትነብረሉ ሃገር)
- ክፍሊት፤
- መረጋገጺ ኩነተ መርዓ 45.00 ኤሮ
- ብ ኢመይል (E-Mail) ናብ ኣስመራ 10.00 ኤሮ
- ክፍሊት ብኢንተርነት ክኽፈል ኣለዎ።
- ኩሎም ክፍሊታት ተመላሲ ኣይኮኑን እዮም።
መምርሒ፤
- ንምርግጋጽ ህላወ ነባርነት ንምምላእ ዝሕተቱ ግዴታታት ብግቡእ ኣንብብ
- ቀጥዒ ምርግጋጽ ህላወ ነባርነት ብኢንተርነት ምላእ
- ኩሎም ክፍሊታት ብኢንተርነት ክፈል