ሓፈሻዊ ሓበሬታ ቆንስላዊ ኣገልግሎት
ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ፍራንክፈርት፡ ንኣብ ደቡብ፡ ማእከልን ገለክፋል ምዕራባዊ ጀርመንን ዝነብሩ ኤርትራውያን ስሉጥን ጽፉፍን ቆንስላዊ ኣገልግሎት ይህብ።
ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ፍራንክፈርት ናይ ወረቐት መንነት፡ ፓስፖርት፡ ቪዛ፡ ውክልና ስልጣን፡ ምርግጋጽ ሰነዳትን ዘጠቓልል ዝተፋላለዩ ቆንስልዊ ኣገልግሎታት ኣብ ምሃብ ይነጥፍ።
ስሉጥ ቆንስላዊ ኣገልግልት ንምርካብ: ስዒቡ ዘሎ ኦንላይን ፖርታል(online portal)/ባብ መርበብ ሓበሬታ ተጠቀሙ፦
ወረቐት መንነት፥ ወረቐት መንነት ንትሕቲ ዕድመ። ብተወሳኺ ግዜያዊ ወረቐት መንነት ንኹሉ ብትውልዲ ኤርትራዊ ዝኾነ ይውሃብ።.
ሓድሽ ወይ መተካእታ ፓስፖርትን ናይ መገሻ ሰነዳትን ንምሕታት ዘገልግል ዝርዝር ሓበሬታን መምርሕን።
ኩሎም ናብ ኤርትራ ዝገሹ ወጻእተኛታትን ወረቐት መንነት ዘይብሎም ኤርትራውያንን ዝተፋላለየ ዓይነት ቪዛ (ምብጻሕ ስድራቤት፡ ቱሪዝማዊ ምብጻሕ፡ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ወዝተ) ንምሕታት ዘገልግል ዝርዘር ሓበሬታ።
ግቡኣት ምምላእ ዝሕግዝ ዝርዝር ቀጥዕታትን፡ ደገፍቲ ሰነዳትን፡ ጽጹይ ሓበሬታን።
ብቤት ጽሕፈት ጠቅላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ፍራንክፈርት ዝተረጋገጸ ውክልና ስልጣን፡ ኣብ ኤርትራ ብስም ተወካሊ፡ ብውኪል ንዝካየድ ጉዳይ ወይ ዋኒን፡ ከም ሕጋዊ ሰነድ ኮይኑ የገልግል።
ካብን ናብን ኤርትራ ዝስደድ ሰነዳት ንምርግጋጸ ዘገልግል ዝርዘር ሓበሬታ።
ዝርዝር ሓበሬታ ተገልጋሊ ብሂወት ከምዘሎን ተቐማጢ ጀርመን ምዃኑን ንምርግጋጽ ክማልኡ ዘለዎም ቀጥዕታትን ሰነዳትን።
ሬሳ ናብ ኤርትራ ንምልኣኽ ክማልኡ ዘለዎም መሰረታውያን ቀጥዕታተን መምሪሒታትን።
ኩሉ ኣብ ኤርትራ ክምርዖ ዝምድብ ውልቀ ሰብ መረጋገጺ ኩነት መርዓ ክህልዎ ይግባእ።