ሓፈሻዊ ሓበሬታ፤
ሬሳ ኣብ ናይ መወዳእታ መዕረፊ ቦታ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝለኣኸሉ፡ ኩሉ እቲ ኣብ ዝርዝር ግዴታታት ዘሎ ሰነዳት ክቐርቡ ይግባእ።
ሬሳ ናብ ኤርትራ ንምልኣኽ ክማልኡ ዘለዎም ግዴታታት፤
- ክልተ ዝተረጋገጸ ቅዳሓት ናይቲ መበቆላዊ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት
- ምስከር ዘይተላባዕነት ሕማም መዋቲ ካብ በዓል ስልጣን ጥዕና ናይ ሞት ዘጓነፈሉ ሃገር ውይ ምምሕዳር
- ትሕዝቶ ሳንዱቕ ሬሳን ስንዱቕ ሬሳ ብኸመይ ኣገባብ ንምላኣኽ ከም ዝተዳልወ ዝሕብር ድብዳበ ካብ ትካል ምድላው ቀብሪ። ከም ተወሳኺ አዚ ደብዳበ ምሉእ ስም፡ ኣድራሻ፡ ቴለፎን ተቐባሊ ሬሳ ኣብ ኤርትራ ከጠቓልል ኣለዎ።
- ምስከር ዘይተላባዕነት ሕማም መዋቲ ካብ ሓኪም መዋቲ።
- ሳንዱቕ ሬሳ ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ፡ ንጉዕዞ ክጥዕም ኣብ ናይ ዕንጨቲ ሳንዱቕ ዝኣተወ ክኸውን እምረጽ። ናይ ዕንጨቲ ሳንዱቕ ሬሳ ምስ ዝኸውን ብጽኑዕ ዝተዓሸገ እንተ ኾይኑ ውን ቅቡል እዩ።
- ናይ መዋቲ ቅዳሕ ፓስፖርት ኤርትራ፡ ቅዳሕ መንነት ወረቐ ኤርትራ፡ ከምኡእውን፡
ቅዳሕ ፓስፖርት ወይ መምበሪ ፍቓድ ናይ ጀርመን።
-
- ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ሰነዳት በዚ ዝስዕብ ኢመይል ስደዱ፤
- ኢመይል (E-Mail)፤ info@konsulat-eritrea.de
ብተደጋጋሚ ዝለዓሉ ሕቶታት
መምርሒ፤
- ኩሎም እቶም ኣብ ዝርዝር ግዴታታት ዘሎዉ ሰነዳት ኣቕርብ።
- ኢመይል (E-Mail)፤ info@konsulat-eritrea.de