ሓፈሻዊ ሓበሬታ፤
ኣብ ኤርትራ ምስ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ሰብ ይኹን ዘይነባሪ ክምርዖ ዝምድብ ኤርትራዊ፡ መረጋግጺ ኩነተ መርዓ ወይ ሓዳር ከቕርብ ኣለዎ።
ኤርትራውያን ዘይኮኑ ወይ ሃገራዊ ወረቐት መንነት ዘይብሎም ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ክምርዓዉ መደብ ምስ ዝህልዎም፡ ብምምሕዳራት ጀርመን ዝተረጋገጸ ኩነተ መርዓ ወይ ሓዳር ከቕርቡ ኣለዎም። እዚ ኣኻሊ ስለዘይኮነን ብሰለስተ ልዕለ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ኤርትራዊ ወረቐት ዘልዎም መሰኻኸር ክስነ ኣለዎ።
መረጋገጺ ኩነተ መርዓ ንምሕታት ክማልኡ ዘለዎም ግዴታታት፤
ብተደጋጋሚ ዝለዓሉ ሕቶታት
መምርሒ፤
- ንኩነተ መርዓ ንምምላእ ዝሕተቱ ግዴታታት ብግቡእ ኣንብብ።
- ቀጥዒ ኩነተ መርዓ ብኢንተርነት ምላእ (ንኤርትራውያን ጥራይ ይምልከት)።
- ብምምሕዳራት ጀርመን ዝተረጋገጽ ኩንተ መርዓኻ በቦስጣ ናብ ጠቕላሊ ቆንስል ልኣኽ (ንዘይ ኤርትራውያን ይምልከት)።