ሓፈሻዊ ሓበሬታ፤

  • ኣብ ጀርመን ዝተመስርሐ ፣ ናብ ኤርትራ ዝለኣኽ ሰነድ፣ ከም መረጋገጺ ኩነታት ሓዳር፡ ኣታዊታትን ካልእን፣ ብመጀመርያ ኣብ Notar ወይ ኣብ Amtsgericht ወይ ኣብ Regierungspraesidium ምስ ተረጋገጸ፣ እቲ ቀንዲ መበቆላዊ ሰነድ (ኦርጅናል) ይቐርብ። ብድሕሪኡ እቲ ሰነድ ተረጋጊጹ ማሕተም ምስ ሰፈሮ፣ ናብ ኤርትራ ተላኢኹ ብመገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት ተረጋጊጹ፣ ኣብ ኤርትራ ሕጋውነት ምስ ለበሰ፣ ኣብ መንግስታዊ ይኹን ህዝባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ተቐባልነት ይረክብ።
  • ካብ ኤርትራ ዝመጽእ ሰነድ መበቆላውን ቁኑዕን ምዃኑ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተረጋጊጹ ምስ መጸ ኣብኡ ብምሙርኳስ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስል ከምዝረጋገጽ ይግበር።
  • ብዘይካ ብመንገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት ዝምጽእ ኢመይል፡ ብኮፒ ወይ ብፋክስ
    ዝመጸ ሰነድ ኣይረጋገጽን ኢዩ።

መረጋገጺ ሰለዳት ንምሕታት ክማልኡ ዘለዎም ግዴታታት፤

  • ብኢንተርነት ዝተመልአን ዝተፈረመን ቀጥዒ መሕተቲ መረጋገጺ ሰነዳት
  • ዝተማልአ መሕወይ ግብሪ
  • ኣብ ኤርትራ ዝተስርሐ መበቆላዊ ሰነድ ግድን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጨንፈር ቆንስላዊ ጉዳያት ተረጋጊጹ ምስ መጸ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስል ቅቡል ዝኸውን።
  • ክፍሊት፤
    • መረጋገጺ ኩነተ መርዓ 45.00 ኤሮ
    • ብ ኢመይል (E-Mail) ናብ ኣስመራ 10.00 ኤሮ
  • ክፍሊት ብኢንተርነት ክኽፈል ኣለዎ።
  • ኩሎም ክፍሊታት ተመላሲ ኣይኮኑን እዮም።

መምርሒ፤

  1. ንምርግጋጽ ሰነዳት ንምምላእ ዝሕተቱ ግዴታታት ብግቡእ ኣንብብ
  2. ቀጥዒ ምርግጋጽ ሰነዳት ብኢንተርነት ምላእ
  3. ኩሎም ክፍሊታት ብኢንተርነት ክፈል