- ቅጺ መሕተቲ ፓስፖርት ብግቡእ ብኢንተርነት ምላእ። ኣሰር ኣጻብዕቲ ብኢንተርነት (CAPS) ንምሃብ ምስ ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ፍራንክፈርት ወይ ወኪል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ናይ ከባቢኻ ቆጸራ ሓዝ።
- ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት (ንዝኾነ 18 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾነ ኤርትራዊ)
- 3 ስእሊ
- ዓቐን: 35 x 45mm or 1.38′ x 1.77′
- ኣብ ጻዕዳ ድሕረ ባይታ ኣብ ስቲድዮ ዝተሳእለ
- ማእከል ዝኾንን ትኽ ኢሉ ንቕድሚት ዝጥምትን
- እቲ ስእሊ ብንጹር ንኽልቲኡ ኣዒንትን ክልቲኡ ኣእዛንን ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።
- ክፉት ኣዒንቲ፡ ዕጹው ኣፍ
- ባህርያዊ ኣጠማምት (ፍሽኽታ፡ ሰሓቕ ወይ ምጽዋግ ወግድ)
- ስእሊ ምስ መነጸር ምስ ዝኸውን እቲ መነጸር ብሓኪም ዝተኣዘዘ ከምዝኾነ ዘረጋግጽ ሰነድ ክቐርብ የድሊ።
- ሃይማኖታዊ ቆቢዕ ወይ ጉልባብ ጥራይ እዩ ዝፍቀድ።
- ናይ ቀደም ኤርትራዊ ፓስፖርት (ኦርጅናል)
- ቅዳሕ ሰነድ ነባርነት ኣብ ጀርመን
- ምምላእ ግቡኣት መሕወይ ግብሪ ንኹሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም
- ክፍሊት:
- ዓበይቲ፥ 90.00 ኤሮ
- ትሕቲ ዕድመ፥ 70.00 ኤሮ
- ክፍሊት መሕተሚ ስእሊ፥ 10.00 ኤሮ
- ክፍሊት ብኢንተርነት ክኽፈል ኣለዎ።
- ኩሎም ክፍሊታት ተመላሲ ኣይኮኑን እዮም
- ፓስፖርት ተሓዲሱ ምስ መጸ፡ ኣብ ኢድ ዘጸንሐ ህሉው ፓስፖርትኻ (ቅዳሕ ዘይኮነስ ኦርጅናል) ናብ እዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ብቦስጣ ልኣኮ፤
Generalkonsulat des Staates Eritrea
Lyoner Straße 44
60528 Frankfurt am Main