ሓፈሻዊ ሓበሬታ፤
- ዝኾነ ልዕሊ 18 ዓመት ዝኮነ ዜጋ ኣኤርትራዊ ወረቀት መንነት ክሕዝ ቅድሚ ሕጂ መንነት ኣውጺኡ ዝፈልጥ ከኣ ክሕድሶ ከም ዘለዎ ንሕብር።
- መዓልቱ ዝወደቐ ሓድሽ መንነት ምሕዳስ ንግዝይኡ ደው ኢሉ ስለ ዘሎ፣ ሓበሬታ ክሳብ ዝወሃበኩም መዓልቱ ዝወደቐ ሓድሽ መንነት ንምትካእ ፎርም መንነት ክትመልኡ ኣየድልን።
- ዝኾነ ዜጋ ሓደ ግዜ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኮይኑ ሓድሽ መንነት ንምውጻእ ፎርም መንነት መሊኡ ዝፈልጥ እንተደኣ ኮይኑ፣ 2ይ ግዜ ፎርም ክመልእ ኣይፍቀድን ። ብዘይ ኣፍልጦ ቤት ጽሕፈት ን2ይ ግዜ ፎርም መንነት ምምላእ ብናይ ምትላል ገበን የኽስስ እዩ። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብቤት ጽሕፈት ን2ይ ግዜ ክመልእ ምስ ዝሕበሮ ጥራይ ቅቡል ይኸውን።
- ኣብ ፎርም መንነት ዘደናግሩ ኣስማት ብንጹር ክጸሓፉ ከምዘለዎም ማለት ብትግርኛን እንግሊዝን ሓደ ክኾኑ ኣለዎም። ንኣብነት- josef/yosief, እቲ ስም ብትግርኛ ዮሴፍ ዝጸሓፍ እንተኮይኑ ብእንግሊዝ ከኣ ዮሴፍ ክጸሓፍ ኣለዎ እምበር Josef ምስ ዝጸሓፍ ቅቡል ኣይከውንን። ብተመሳሳሊ ከኣ – dawit/david jasmin/yasmin, Jacob/yacob, jonatan/yonatan, etc . . .
- ሓድሽ መንነት ተሰሪሑ ክመጽእ ከሎ ኣብቲ ናይ እንግሊዘኛ (ENGLISH) ኣጸሓሕፋ ብመሰረት እቲ ብሃገር ደረጃ ተዳልዩ ዘሎ ናይ ኣስማት መዝገበ-ቃላት (ዲክሽነሪ) ስለ ዝጸሓፍ ኣብኡ ዝኾነ ምቕያር ኣይፍቀድን እዩ።
- መአረምታ ወረቐት መንነት ስምን ቦታ ልደትን ዝምልከት ብቤት ፍርዲ ምስተወሰነን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን ጥራይ እዩ ዝፍጸም።
- ምቕያር ዕለት ልደት ዋላ ብቤት ብክብሪ መዝገብ ተቐይሩ ከሎ ኣብ ክፍሊ ኢሚግረሸንን ዜግነትን ተጻርዩ ቅቡል ክሳብ ዝበሃል ከምዘይፍቀድ ነረድእ።
- ካብ ኤርትራውያን ወለዲ ዝተወልዱ ህጻናት 17 ዓመትን ትሕቲኡን ናይ ትሕቲ ዕድመ ወረቐት መንነት ኣብ ክንዲ ቪዛ ክሓቱ ይኽእሉ።.
- ኣብ ናይ ቀደም መንነትኩም ብዘይ ናትኩም ዕለት ልደት ብክፍሊ ኢሚግረሽን ዕለትን ወርሕን 01-01 ተመሊኡ ዝነበረ መንነትኩም ከተሐድሱ ከለኹም እታ ዕለት 01-01 ዝነበረት በቲ ሓቐኛ ዕለት ልደትኩም ክትትክእዋ ትኽእሉ። እቶም ሓቐኛ ዕለት ልደትኩም 01-01 ዝኾነ ግን እዚ ኣይምልከተኩምን እዩ።
ወረቐት መንነት ንምሕታት ክማልኡ ዘለዎም ግዴታታት፤
ብተደጋጋሚ ዝለዓሉ ሕቶታት
መምርሒ፤
- ዓይነት ወረቐት መንነት ምረጽ፡ ነቲ ዝመረጽካዮ ወረቐት መንነት ዝምልከት ክማላእ ዘለዎ ጠለባት ኣንብብ።
- ኣድለይቲ ሰነዳት ኣዳልዉ።
- ቅጥዒ ሃገራዊ ወረቐት መንነት ብኢንተርነት ምልኣዮ።
- ኣሰር ኣጻብዕቲ ብኢንተርነት (CAPS) ንምሃብ ምስ ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ፍራንክፈርት ወይ ወኪል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ናይ ከባቢኻ ቆጸራ ሓዝ።
- ኩሉ ዝድሊ ክፍሊት ብኢንተርነት ክፈል።