ሓፈሻዊ ሓበሬታ፤

ውክልና ስልጣን ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት ምርግጋጽ ዝከኣል ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ጉዳያት ብስምኩም ንምስላጥ ከም ሕጋዊ ሰነድ ኮይኑ የገልግል።

ውክልና ብመሰረቱ ብዙሕ ጥንቃቀ ዝሓትት ሰነድ ስለዝኾነ፣ ኣብ ኣጸሓሕፋ ብዓይኒ ሕጊ ዘይቅቡል ምስ ዝኸውን ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ወይ ኣካል ክነጽጎ ክምዝኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ። ስለዚ ሰነድ ውክልና ብንጹር፣ ብዘይ ዘየሻሙ ቃላትን፣ ብሓደ ዓይነት ፒሮን ኢድን ዝተጻሕፈ፣ ምድምሳ ዘይብሉ፣ ኣድላዩ ሓቤረታ ዝሓዘለ፣ ክኸውን ይግባእ።

ንኣብነት፤

  • ናይ ገዛ እንተኾይኑ- ከባቢ፣ ጎደና፣ ቁ.ገዛ፣ ቁ.ፍቓድ መዝገብ ክግለጽ ኣለዎ
  • ናይ መኪና ምስዝኸውን – ዓይነት መኪና፣ ቁ.መለለይ ሰሌድ፣ ቁ.ቻሲ ይቐርብ
  • ብዛዕባ ገንዘብ- ስም ባንክ፣ ቁ.ሕሳብ ባንክ ይግለጽ

ዓይነት ውክልና፤

  • ውክልና ስልጣን፣ ንሞግዚትነት
  • ውክልና ስልጣን፣ ኣብ ክብሪ መዝገብ ንምምዝጋብን ናይ ዕለተ ልደት ሰነድ ንምርካብ
  • ውክልና ስልጣን፣ ንውርሻ ዝምልከት፣  ተንቐሳቃስን ዘይቅንሳቀስ ንብረት
  • ውክልና ስልጣን፣ ንምሕደራ ሕሳብ ባንክታት
  • ውክልና ስልጣን፣ ንኩነታት ሓዳር ዝምልከት
  • ውክልና ስልጣን፣ ንጤሳን ምስራሕ ኣባይትን ዝምልከት

ውክልና ስልጣን ንምሕታት ክማልኡ ዘለዎም ግዴታታት፤

  • ዝተማልአ መሕወይ ግብሪ
  • ቀጥዒ ውክልና ስልጣን ብግቡእ ብኢንተርነት ምላእ።
  • ሰነድ ውክልና ብንጹር ቃላት ዝተጻሕፈን ኣድላይ ሓበሬታታት ዝሓዘን ክኸውን ይግባእ።
  • ኩሉ ዘድሊ ሰነዳት ብኢንተርነት ጽዓን።
  • ክፍሊት
    • ውክልና ስልጣን 45.00 ኤሮ
    • ብ ኢመይል (E-Mail) ናብ ኣስመራ 10.00 ኤሮ
    • ናይ ደበስን ጥሮታን ዝምልከት ውክልና ክፍሊት 10,00 ኤሮ (ምስ ክፍሊት መሳለጢን መልእኺን)
  • ክፍሊት ብኢንተርነት ክኽፈል ኣለዎ።
  • ኩሎም ክፍሊታት ተመላሲ ኣይኮኑን እዮም።
  • ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉጅለ ተማልአ መሕወይ ግብሪ
  • ናይ ሓባር ቀጥዒ ውክልና ስልጣን ብግቡእ ብኢንተርነት ተመሊኡ፡ ኣብ ቅድሚ ተወካሊ ማሕበረኮም ወይ ኣባላት ጠቕላሊ ቆንስል ብምቕራብ ብኹሎም ኣባላት ጉጅለ ዝተፈረመ ክኸውን ይግባእ።
  • ክፍሊት
    • ውክልና ስልጣን 45.00 ኤሮ
    • ብ ኢመይል (E-Mail) ናብ ኣስመራ 10.00 ኤሮ
  • ክፍሊት ብኢንተርነት ክኽፈል ኣለዎ።
  • ኩሎም ክፍሊታት ተመላሲ ኣይኮኑን እዮም።

ብተደጋጋሚ ዝለዓሉ ሕቶታት

ኣይፋል፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ወረቐት መንነት ክህልወካ ኣለዎ።

መምርሒ፤

  1. ዓይነት ውክልና ስልጣን ምረጽ፡ ነቲ ዝመረጽካዮ ውክልና ስልጣንት ዝምልከት ክማላእ ዘለዎ ጠለባት ኣንብብ።
  2. ቅጥዒ ውክልና ስልጣን ብኢንተርነት ምልኣዮ።
  3. ኩሉ ዝድሊ ክፍሊት ብኢንተርነት ክፈል።