ወረቐት መንነት2022-03-09T09:51:33+00:00

ወረቐት መንነት ኤርትራ፣  ንምውሳድ፣ ንምትካእ፣ ንምእራም፣  ክማላእ ዘለዎ ቅጥዕታት:

1. ሓዲሽ ወረቐት መንነት:

  • ፎርም መሕትት ወረቐት መንነት ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠ/ቆንስል ምምላእ
  • ምሉእ ስም ሓታቲ ክሳብ 3ይ ወለዶ
  • ዕለትን ቦታ ልደትን
  • ምሉእ ስም ኣደ ክሳብ 3ይ ወለዶ
  • ቅዳሕ ወረቐት መንነት ናይ ወለዲ (ብኽልቲኡ ገጽ)
  • ኣቦን ኣደን ብህይወት ምስ ዘይህልዉ ቅጺ ምስክርነት ዜግነት ንነበርቲ ወጻኢ ብውክልና ይምላእ(ስም፣  ቁጽሪ ቴሌፎን፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ቀረባ ዘመድ ብወላዲት ወይ ብወላዲ)
  • መበቆል ዓዲ፣ ብሄር  ናይ ኣቦን ኣደን
  • ኣርበዓተ ስእሊ  4.5 X 3.5  (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ )
    • ስእሊ ምስ መነጸር፣  ብሓኪም ከም ዝተኣዛዘ፣ መረጋገጺ ሰነድ የድሊ
  • ሰነድ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ጀርመን/ ቅዳሕ ፓስፖርት
  • ክፍሊት፣
    • ዕድምኦም ካብ 18 ዓመት ክሳብ 20 ዓመት ዝኾኑ፣ 20.00 ኦይሮ
    • ካብ 21 ዓመት ዝዕድምኦም፣  20.00 ኦይሮ ተደምሮ  15.00 ኦይሮ ንነፍሲ ወከፍ ተወሳኺ ዓመት
    • ጊዜዊ ወረቐት መንነት፣ 10.00 ኦይሮ
  • ምሉእ ኣድራሻ፣ ቁ. ቴልፎን፣ ኤመይል
  • መምለሲ ሓደራ ደብዳቤ  ዝኸውን እኹል  ቴምብር

2. መተካእታ ወረቐት መንነት፣

  • ፎርም መሕትት ወረቐት መንነት ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠ/ቆንስል ምምላእ
  • ቅዳሕ ኣብ ኢድ ዘሎ ወረቐት መንነት
  • ኣርበዓተ ስእሊ  4.5 X 3.5  (ድሕረ ባይታ ጻዕዳ )
    • ስእሊ ምስ መነጸር፣  ብሓኪም ከም ዝተኣዛዘ፣ መረጋገጺ ሰነድ የድሊ
  • ሰነድ መንበሪ ፍቓድ/ ቅዳሕ ፓስፖርት
  • ምሉእ ኣድራሻ
  • ክፍሊት፣ 20 ኤይሮ

3. ምትካእ ዝጠፍአ ወረቐት መንነት፣

መንነት ወረቐት ምስ ዝጠፍእ፣ መሕትት ፎርም ክምላእ ይግባእ። እዚ ከይተመልአ ናይ ምትካእ መስርሕ ኣይጅመርን ኢዩ።

  • ቅዳሕ ወርቐት ምስ ዝህልው ይቕረብ
  • ቅዳሕ ምስ ዘይህልው፣
    • ቁጽሪ ናይ ተዋሂቡ ዝጸንሐ ወረቐት መንነት
    • ወረቐት መንነት ዝተዋህበሉ ዕለትን ቦታን
    • ምሉእ ስም ኣደ፣
    • መበቆል ዓዲ ናይ ኣቦን ኣደን
    • ካብ ተገልጋሊ ዝተዋህበ ሓበሬታ፣ ኣብ ኤርትራ ተላኢኹ ብዝምልከቶ ኣካል ሓቅነቱ ምስ ተረጋገጸ፣ መስርሕ ምትካእ ወረቐት መንነት ይጅምር።

4. መአረምታ ኣብ ወረቐት መንነት፣

መአረምታ ወረቐት መንነት (ስም፡ ዕለተ-ልደት፡  ቦታ-ልደት) ዝምልከት ብቤት ፍርዲ ምስ ተወሰነ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብቆንስላዊ ጉዳያት ምስተረጋገጸ፣ ጥራይ እዩ ዝፍጸም።