ምምስራት ውክልና2022-01-09T15:06:34+00:00

ውክልና ብመሰረቱ ብዙሕ ጥንቃቀ ዝሓትት ሰነድ ስለዝኾነ፣ ኣብ ኣጸሓሕፋ ብዓይኒ ሕጊ ዘይቅቡል ምስ ዝኸውን ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ወይ ኣካል ክነጽጎ ክምዝኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ። ስለዚ ሰነድ ውክልና ብንጹር፣ ብዘይ ዘየሻሙ ቃላትን፣ ብሓደ ዓይነት ፒሮን ኢድን ዝተጻሕፈ፣ ምድምሳ ዘይብሉ፣ ኣድላዩ ሓቤረታ ዝሓዘለ፣ ክኸውን ይግባእ።

ዓይነት ውክልና፣

  • ውክልና ስልጣን፣ ንሞግዚትነት
  • ውክልና ስልጣን፣ ኣብ ክብሪ መዝገብ ንምምዝጋብን ናይ ዕለተ ልደት ሰነድ ንምርካብ
  • ውክልና ስልጣን፣ ንውርሻ ዝምልከት፣  ተንቐሳቃስን ዘይቅንሳቀስ ንብረት
  • ውክልና ስልጣን፣ ንምሕደራ ሕሳብ ባንክታት
  • ውክልና ስልጣን፣ ንኩነታት ሓዳር ዝምልከት
  • ውክልና ስልጣን፣ ንጤሳን ምስራሕ ኣባይትን ዝምልከት

ውክልና ቅቡል ክኸውን ክማላእ ዘለዎ ቅጥዕታት፣

  • ብወገን ወካሊ/ት(ከም ኣብ ወ. መንነት ዘሎ)
    • ምሉእ ስም
    • ቁጽሪ ወረቐት መንነት
    • ዕልተን ቦታ ልደትን
    • ህልዊ ኣድራሻ
  • ብወገን ተወካሊ/ት(ከም ኣብ ወ. መንነት ዘሎ)
    • ምሉእ ስም
    • ቁጽሪ ወረቐት መንነት
    • ዕልተን ቦታ ልደትን
    • ህልዊ ኣድራሻ
  • እቲ ውክልና ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ማሕበረኮም(ሽማግለ ከተማ) ዝተፈጸመ ምስ ዝኸውን፣ ካብቲ ሽማግለ መሰነይታ ደብዳቤ ምስቲ ወክልና  ተታሒዙ ይቐርብ።
  • ውክልና ምርግጋጽ ዕለተ-ልደት፣ ኩነታት መርዓ፣ ምስዝኸውን ናይ ቀረባ ዘመድ (ወላዲ፡ ወላዲት ፡ሓዉ፡ ሓብቲ፣ ወይ ሕጋዊ ጠበቓ  ክኸውን ይግባእ)
  • ክፍሊት 45.00 ኦይሮ
  • ብኢ-ሜይል ንኣስመራ ክለኣኽ እንተተደልዩ 10.00 ኦይሮ
  • ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ኣብ ኣስመራ  ኣብ ማ/ቤ/ጽ ክፍሊ ኮማውን ቆንስላውን ጉዳያት ክረጋገጽ ኣለዎ`
  • ሰነድ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ፣ መሕወይ ግብሪ ማለት  2% ተኸፊሉ፣ ብክሊራንስ ክስነ ግድን እዩ።
  • ብክፍሊ ረጂስትራር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምስ ተረጋገጸ ሕጋውነት ይለብስ።