ምርግጋጽ ሰነዳት2022-01-09T17:16:45+00:00

ምርግጋጽ ሰነድ፣

ዝረጋገጹ ሰነዳት፡ ኩነታት ሓዳር፡ ሰነድ ትምህርቲ፡ ምስክርነት-ልደት ካልእ

  • ኣብ ጀርመን ዝተመስረሐ
    • ኣብ ጀርመን ዝተመስርሐ ፣ ናብ ኤርትራ ዝለኣኽ ሰንድ፣ ከም መረጋገጺ ኩነታት ሓዳር፡ ኣታዊታትን ካልእን፣ ብመጀመርያ ኣብ Notar ወይ ኣብ Amtsgericht ወይ ኣብ Regierungspraesidium ምስ ተረጋገጸ፣ እቲ ቀንዲ መበቆላዊ ሰነድ (ኦርጅናል) ይቐርብ። ብድሕሪኡ እቲ ሰነድ ተረጋጊጹ ማሕተም ምስ ሰፈሮ፣ ናብ ኤርትራ ተላኢኹ ብመገዲ ቆንስላዊ ጉዳያት ተረጋጊጹ፣ ኣብ ኤርትራ ሕጋውነት ምስ ለበሰ፣ ኣብ መንግስታዊ ይኹን ህዝባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ተቐባልነት ይረክብ።
    • ብኮፒ ወይ ብፋክስ ዝመጸ ሰነድ ኣይረጋገጽን እዩ።
    • ክፍሊት 45.00 ኦይሮ
  • ኣብ ኤርትራ ዝተመስርሐ፣
    • ኣብ ኤርትራ ዝተመስርሐ ሰነድ ግድን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቆንስላዊ ጉዳያት ተረጋጊጹ ምስ መጸ፣ ጥራይ እዩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ  ጠ/ቆንስል ተረጋጊጹ ቅቡል ዝኸውን
    • ብኮፒ ወይ ብፋክስ ዝመጸ ሰነድ ኣይረጋገጽን እዩ።
    • ክፍሊት 45.00 ኦይሮ