ፓስፖርት2022-01-16T20:49:41+00:00

ፓስፖርት ናይ ኤርትራ ንምውሳድ፣ ንምትካእ ክማላእ ዘለዎም ቅጥዕታት፣

1. ሓድሽ ፓስፖርት፣

  • መሕትት ፎርም ፓስፖርት ብኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠ/ቆንስል ምምላእ
  •  ክልተ(2) ስእሊ 4.5 X 3.5 (ባዮሜትሪክ፣ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ )
    • ስእሊ ምስ መነጸር ምስ ዝኸውን፣ ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ፣ መረጋገጺ ሰነድ የድሊ
  • ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
  • መንበሪ ፍቓድ ናይ ጀርመን/ ቅዳሕ ፓስፖርት
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ-ልደት፡ ቦታ-ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፣ እቲ ዝቕየር ብቤት ፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን ቀንዲ መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ክፍሊት፣
    • ልዕሊ 18 ዓመት ዕድሜኦም  160.00 ኦይሮ
    • ንትሕቲ ዕድመ 140.00 ኦይሮ
  • ንመልኣኺ ሓደራ ደብዳቤ ዘገልግል እኹል ብዝሒ ገንዘብ ዘለዎ ቴምብር

2. መተካእታ ፓስፖርት(ኣገልግሎት ዝወደአ)፣

  • መሕትት ፎርም ፓስፖርት ብኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠ/ቆንስል ምምላእ
  •  ክልተ(2) ስእሊ 4.5 X 3.5 (ባዮሜትሪክ፣ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ )
    • ስእሊ ምስ መነጸር ምስ ዝኸውን፣ ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ፣ መረጋገጺ ሰነድ የድሊ
  • ቅዳሕ ኣረጊት ፓስፖርት (ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ምስዝህሉ)
  • ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
  • መንበሪ ፍቓድ ናይ ጀርመን/ ቅዳሕ ፓስፖርት
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ-ልደት፡ ቦታ-ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፣ እቲ ዝቕየር ብቤት ፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን ቀንዲ መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ክፍሊት፣
    • ኣቀዲሙ ዝተዋህበ ፓስፖርት ምስዝቀርብ ዕደመ ብዘየገድስ  100.00 ኦይሮ
  • ንመልኣኺ ሓደራ ደብዳቤ ዘገልግል እኹል ብዝሒ ገንዘብ ዘለዎ ቴምብር

3. ምትካእ ዝጠፍአ ፓስፖርት፣

  • ፓስፖርት ከምዝጠፍአ ዘረጋግጽ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ማለት ቤት ጽሕፈት ፖሊስ/ምምሕዳር መረጋገጺ ሰነድ
  • ቅድሚ ኣብ ጀርመን ምምጻእ ፓስፖርት ምስዝጠፍእ፣ ብቁዕ ምኽንያታት ምቅራብ
  • መሕትት ፎርም ፓስፖርት ብኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠ/ቆንስል ምምላእ
  •  ክልተ(2) ስእሊ 4.5 X 3.5 (ባዮሜትሪክ፣ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ )
    • ስእሊ ምስ መነጸር ምስ ዝኸውን፣ ብሓኪም ከም ዝተኣዘዘ፣ መረጋገጺ ሰነድ የድሊ
  • ቅዳሕ ኣረጊት ፓስፖርት (ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ምስዝህሉ)
  • ቅዳሕ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
  • መንበሪ ፍቓድ ናይ ጀርመን/ ቅዳሕ ፓስፖርት
  • ብምኽንያት መርዓን ካልእ ምኽንያታት ዝነበረ ስም፡ ዕለተ-ልደት፡ ቦታ-ልደት ክቕየር ምስ ዝድለ፣ እቲ ዝቕየር ብቤት ፍርዲ ምስ ጸደቐን ኣብ ቆንስላዊ ጉዳያት ምስ ተረጋገጸን ቀንዲ መበቆል (ኦርጅናል) ምስ ቀረበ ጥራይ ይኸውን
  • ክፍሊት፣
    • ልዕሊ 18 ዓመት ዕድሜኦም  180.00 ኦይሮ
    • ንትሕቲ ዕድመ 160.00 ኦይሮ
  • ንመልኣኺ ሓደራ ደብዳቤ ዘገልግል እኹል ብዝሒ ገንዘብ ዘለዎ ቴምብር

4. ሌሰ-ፓስ፣

ሌሰ-ፓሰ ንምውሳድ ክማኣእ ዘለዎ ቅጥዕታት፡

  • ቅዳሕ ወረቐት መንነት
  • ክልቲ(2) ስእሊ፣ (ባዮሜትሪክ፣ ድሕረ ባይታ ጻዕዳ )
  • ክፍሊት፣ 35.00 ኦይሮ
  • ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ዘይብሉ፣ ሓዲሽ ወረቐት መንነት ንምውጻእ ቅጥዕታ የማልእ
  • ሌሰ-ፓሰ ጠቕሊሉ ንኤርትራ ንዝምለስ ጥራይ ኢዩ ዝወሃብ