ካብ ገበን ነጻ ምዃን ዝሕብር ሰነድ2018-11-20T15:58:50+00:00

ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ገበን ነጻ ምዃኖም ዝሕብር ሰነድ ንስራሕ፡ ንቪዛን ካልእን ነገራት ምስዝሓቱ፡ ካብ ኤርትራ ካብ ገበን ነጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ሰነድ ክቕርቡ  ይሕተቱ እዮም። ነዚ ካብ ገበን ነጻ እዩ ዝብል ሰነድ ዝህብ ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ምክትታል ገበንን ኣሃዱ ኣሸራን እዩ። ኣመልካቲ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ቀሪቡ እዚ ዝስዕብ ከማልእ ይግባእ።

  • ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ዝርከብ ፖሊስ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራ ክወስደሉ ምእንቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስል ደብዳበ ሒዙ ይኸይድ።
  • ፖሊስ ኣሸራ ምስ ወሰድሉ እቲ ኣሸራ ዝተወስደሉ ሰነድ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ሒዝዎ ብምቕራብ ነቲ ሰነድ ይረጋገጽ።
  • ብመገዲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ወኪሉ ክኣ እቲ ኣሸራ ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ክፍሊ ኣሸራ ተረጋጊጹ ኣብ መጨረሻ እቲ ኣካል ብጽሑፍ ውጽኢት እቲ ኣሸራ
  • ኣገልግሎት ብነጻ
  • ክሊራንስ 2% ዝተኸፍለሉ የቕርብ