ጉዳያት ህዝቢ ብዝምልከት2018-11-20T16:00:35+00:00

ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስል ኣብ ንብረት ይኹን ኣብ ሓዳር ከሰሓሕብ ዝኽእል ስቪላዊ ጉዳያት፡ ንኣብያተ ፍርዲ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ ሰብ ጉዳይ ንጉዳያቶም ወይ ብሕጊ ናይ ጀርመን ወይ ብስቪላዊ ሕጊ ኤርትራ ክረኣየሎም ብቐጥታ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ክኸዱ ይሕብር። ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኣብ ክንዲ ኣብያተ ፍርዲ ኮይኑ ክዛረብ ወይ ክቐርብ መሰል የብሉን። ንዘከራኽር ጉዳይ ክልቲኦም ወገናት ብዝጠለብዎ መሰረት ቤት ጽሕፈት ቆንስል ፍራንክፈርት  ንስምምዕ የፈራርሞም። ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ብመገዲ ወጻኢ ጉዳያት ተፈሪሙ ዝተላኣከ ናይ ቤት ፍርዲ መጸዋዕታ ወይ ውሳኔ ከብጽሕ ይኽእል።